ኣብ ማእኸል ሕዉየትን ሕክምናን ሓርብኛታት ትግራይ ናይ ምግቢ ኣታወታት ማለት እውን ኣትክልትን ፍራምረን ፥ ናይ ውዕኢት ባልትናን ፥ ሸቐጣሸቐጥን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቓሒ ክተማልኡ ይግባእ።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 28, 2018 (28 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጉንበት 11, 2018 3:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 100.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ: 15000.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጉንበት 11, 2018 3:30 ቅ/ሰዓት
  • ኣቅርቦት ምግቢ
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ምልክታ ግልፅ ጨረታ

ኣብ ማእኸል ሕዉየትን ሕክምናን ሓርብኛታት ትግራይ ናይ ምግቢ ኣታወታት ማለት እውን

1. ኣትክልትን ፍራምረን

2. ናይ ውዕኢት ባልትናን

3. ሸቐጣሸቐጥን

ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቓሒ ክተማልኡ ይግባእ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1 ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ።

2 ናይ 2018 ዓ/ም ዝታሓደሰ መቕረባይ ሰርቴፌኬት።

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ II ሰርቴፌኬት።

4 መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ።

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 100.00 / ሓደ ሚኢቲ ብር /እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ማእኸል ሕዉየት ሕክምና ሓርብኛታት ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፍይናንስን ምሕድራ ንብረት ኣብ ክ/ከተማ ዓይደር ቀብሌ 03 ናይ ቀደም መለሰ ኣካዳሚ ዝርከብ ቢሮ ዕደጋን ፍይናንስን ካብ ዕለት 28/08/2018 ዓ/ም ክሳብ 11 / 09 / 2018 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሳዓት እናምፃእኹም ክትወሰዱ ትኽእሉ ምዃንኩም።

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ናይ ምግቢ እታወታት ሎት-1 15,000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ሎት-2 15,000.00 ((ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ሎት-3 15,000.00 ((ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ብር ብ Cpo ወይም ቼክ ክተትሕዙ ትኽእሉ።

7 ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ፎቶ ኮፒ ዝተዓሸገን ብተወሳኺ ኦርጅናል ኣብዝተደለየ ሳዓት ከቕርቡ ዝኸእሉ

8 እቲ ጨረታ ዕለት 11/09/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳለ ዕለት 11/09/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ኣብ ከይዲ ስራሕ ፍይናንስን ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

9 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ናይ ምግቢ እታወታት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ተኸታተሊ መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኹም መጓዓዝያ ናብ ማእክል ሕዉየትን ሕኸምናን ሓርብኛታት ትግራይ መለሰ ኣካዳሚ ከተቕርቡ እትኸሎ።

10 ተጫረቲ ሰብ ዋና ወይም ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ምኽፋት ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን ወይም ከይተኸፈተ ዝምለስ ፖስታ የለን።

11 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ በቲ መመርሒ ጨረታ ቁፅሪ 5/2016 መሰረት ካብ ውድድር ወፃኢ ይኾኑ

12 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይም ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ኣብ ክ/ከተማ ዓይደር ቀብሌ 03 ናይ ቀደም መለሰ ኣካዳሚ ዝርከብ ማእኸል ሕውየትን ሕክምናን ሓርብኛታት ትግራይ ቢሮ ፍይናንስን ዕደጋ ምሕታት ትኸእሉ ኢኸም።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
s