ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈትና ዝውዕል Divider አቅሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
AI ቅልጡፍ ፅማቕ
generated by ai• ተወዳደርቲ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ መለለዪ ቁፅሪ ግብሪ (TIN)፣ ናይ ጥሪ ወርሒ 2018 ዓ.ም VAT ዲክላሬሽንን ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምዝገባን ከቕርቡ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም።
• ዝቐርብ ዋጋ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ዝግቦኦ ኮይኑ፣ መአዘዚ ዕደጋ (Purchase Order) ካብ ዝተወሰደሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ እቲ ንብረት ክቐርብ ኣለዎ።
• እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 21/08/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ፡ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ይኽፈት።
• ማሕበር ልምዓት ትግራይ 20% ናይቲ ንብረት መጠን ናይ ምውሳኽ/ምንካይ ወይ እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈትና ዝውዕል Divider አቅሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ጥሪ ወርሒ 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2018 ዓ.ም፣
5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
6. ውፅኢት ፕሮፎርማ ዝገልፅ መአዘዚ ዕደጋ (Purchase Order) ካብ ዝወሰደሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 2 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፣
7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
9. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣
10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣
11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 21/08/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ይኽፈት፡፡
ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!