ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2018 ንቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንትን ምክትል ፕሬዚደንትን ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ክልልን ፌደራልን ባንዴራ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 16, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 21, 2018 3:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 21, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት
  • ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ
AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ንቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንትን ምክትል ፕሬዚደንትን ዝውዕል ናይ ክልልን ፌደራልን ባንዴራ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
* ተወዳደርቲ ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይነት ሰርቲፊኬትን ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ (TIN)ን ዘለዎም ክሆኑ ኣለዎም።
* ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 16/08/2018 ዓ/ም ክሳብ 20/08/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ጨረታ ብዕለት 21/08/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ሰዓት ይኸፈት።
* ተጨራቲ ዘሸነፎ ንብረት ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብፅሬትን ብመጠንን ከቕርብ ዝኽእል ክሆን ኣለዎ።

ዕለት ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/1305/2018

ዕለት:- 16/08/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2018 ንቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንትን ምክትል ፕሬዚደንትን ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ክልልን ፌደራልን ባንዴራ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሸጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡

✓ ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 16/08/2018 ዓ/ም ክሳብ 20/08/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 21/08/2018 ዓ/ም ስዓት 3፡30 ናይ ቅድሚ ስዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ስዓት አብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ዳ/ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ ዝኸፈት ኾይኑ እንተዘይተረኪቦም ግን እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይክልከልን፡፡

✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ /ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ብፅሬትን ብመጠንን ከቅርብ ዝክእል፡፡

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር

✓ ቢሮና ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
s