ን2ይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ።
በዚ መሰረት ድማ ትካልና ንተምሃሮን ካልኦት ክፋል ማሕበረሰብን ግልጋሎት ዝዉዕል ጨርቃጨርቅን ናይ ምግቢ ተንከፍን ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ
1.ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ተጫረቲ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 25/6/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 01/7/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብኣካል ብምምፃእ ክትወስዱ ትኽእሉ ምዃንኩም
2. ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ደረሰኝ ናይ ማሽን ወይ ድማ ብብርሃንና ሰላም ዝተሓተመ ጥራሕ ምዃኑ:-
3. እቲ ጨረታ ዕለት 01/07/2018 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ይኸፈት :
Mekelle, Tigray, Ethiopia P.O. Box 69 Tel 0344 41-84-42 | Email [email protected]
ድሕሪት