ዓ/ዓዲ ሆስፒታል ካብዚ ዝተጠቐሰ መድሓኒት ናዉቲ ሕክምና ብዉሱን ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ናይ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም መቕረበቲ ሰብ ትካል ናይ 2008 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩምን ዘሐደስኩምን ብመቕረባይነት ኣብ ፋይ/ኢ/ልምዓት ዝተመዝገብኩም Tin Number ዘለኩም ሰብ ትካል ብስምኩም ዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዓ/ዓዲ ሆስፒታል ምሰ መሰነይታ ተታሒዙ ብዝቐረበ ሰንጠረዥ መሰረት ናይ ሐደ ዋጋ ብምጥቃስ ምቕራብ ዝከኣል ምኻኑ ንገልፅ
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: የካቲት 30, 2008 6:00 ደ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: የካቲት 30, 2008 6:00 ደ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ረቡዕ የካቲት 16, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ:
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
bidding: search status closed
1 ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ስራሕ ፍቃድን መለለይ ቁፅሪን/ tin number ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ንምስታፍ ዝተወሃበ 2008 ዓ/ም መቐረቢ ኮፒ ከተሓሕዝ ዝኽእል
2 አብቲ ቅጥዒ ጥራሕ ክመልእ ዝክእል
3 አብቲ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እነተኮይኑ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይኸዉን
3 ግልጋሎት ዘመን/expired date/ መድሐኒት እንተዘተመሊኡ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይኸዉን
4 በቲ ዝቐረበ ስፐስፊካሽን (Unit) መሰረት ተጌሩ ዋጋ ክምላእ አለዎ
5 ኣብቲ ናይ ጨረታ መምልኢ ቅጥዒ ሕጋዊ ማህተም ክዓርፎ አለዎ
6 ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 15/ 06/ 08 ዓ/ም 30/06/08 ዓ/ም ይኸዉን
7 ሰነድ ዝዉሰደሉ ኣታዊ ዝግበረሉን ቦታ ክልል ትግራይ ሓለዋ ጥዕና ቢሮ መቐለ
8 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/06/08 ዓ/ም ሰዓት 8:00
9 ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓዓዲ ሆስፒታል ዕለት 30/06/08 ዓ/ም ሰዓት 9:00
10 እቲ ዘሸነፎ መድሓኒት ዉዕል ከቕርብ ዝኽእል እንትከዉን ተዘይኣቅሪቡ ድማ 10% ናይቲ ዘሸነፎ መድሓኒት ዋጋ ይቕፃዕ /ይኸፍል
11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ
ናይ መቕረባይ
ሽም _______
ፈርማ______
ዕለት _______
ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል 0914754609 /0914194881 ምሕታት ይከኣል እዩ
Â