ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቐ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ቀፂሎም ዘለው ንብረታት 1 ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 2 ፎቶ ኮፒ ዓባይ ማሽን 3 ፕሪንተር ቀለም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ ስለ ዝድሊ ክትጫረቱ ትደልዩ ትካላት ብመሰረት እቲ ቀሪቡ ዘሎ እስፔስፊኬሽን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም፤
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጥሪ 16, 2012 4:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጥሪ 16, 2012 4:30 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ሓሙስ ጥሪ 7, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 50.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 5,000.00
bidding: search status closed
1 ናይ 2012 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ተመዝገብቲ ዝኮኑ፤
2 ናይ ወርሒ ሕዳር 2012 ቫት ዲክለር ዝተገበረሉ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤
3 ውሕስና ጨረታ 5000 ብመልክዕ ሲፒኦ ወይ ኣብ ባንኪ ዝተውሃበ /ዝተረጋገፀ/ ቼክ ከቅርብ ዝክእል፤
4 ዶክመንት ጨረታ ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 06/05/2012ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቁፅሪ ቢሮ 308 ዶክመንት ክትወስዱ ትክእሉ፤
5 ዶክመንት ጨረታ ፋይናሻል ቴክኒካልን መሊእኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ 409 ክተቅርቡ ትክእሉ ምዃንኩም ንሕብር፤
6 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 06/05/2012ዓ/ም ጀሚሩ /10/ ዓሰርተ ናይ ስራሕ መዓልታት ብምፅናሕ ዕለት 16/05/2012 ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ 4ይ ፎቅ ኣብ ዝርከብ 404 ኣዳራሽ ይክፈት፤
7 ሰዓራይ ትካል ምስተፈለጠ እቲ ንብረትኣብ ውሽጢ 10 /ዓሰርተ/ መዓልታተ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ፤
8 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-410544/46 ብፖስታ 450 ምድዋል ይከኣል፤