ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ ኣብ 2008 በጀት ዓመት ኣብ ዝተፈላለያ ጣብያታት መስኖ ስትራክቸራት ብናይ መንግስቲ በጀት ክሰርሕን ከምኡዉን ካብ ፋብሪካ ሲሚንቶ ፋብሪካ መቀለ ናብ ከተማ ማይ ፀብሪ ሰሚንቶ ኣጫሪቱ ከጋዓዕዝ ይደሊ
ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግብኦም ረቀሕታት
ንስራሕቲ መስኖ ስትራክቸራት ዝወዳደር
ኣብዚ ጨረታ ተሳታፋይ ዝከዉን ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ብማይተንከፍ ስራሕቲ ዘለዎ
ንግዲ ፍቃድ ቲን ምስክር ወረቀት ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለዎን ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን
ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓም ዲክለረሽን ሪፖርት ከቅርብ ዝክእል
ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋጋፂ ከቅርብ ዝክእል
ተጫረቲ ቫይብሬተርን ሚክሰርን ሌቭልንግን ከማልኡ አለዎም
ተጫረቲ ናይ ዝጨረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ዝሓዘ ሓደ ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕ ብምድላዉ ኣብቲ ዋና ሰነድ ጨረታ ዝሓዘ ፖሰታ ዝተሓተትዎ ሙሉእ ዶክመንት ወይድማ ሰነድ ቅዳሕ ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልንምን ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ ንዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ
ንነፍስወከፍ መጋዕዝያ ተወዳደርቲ ድማ
ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን ቲን ምስክር ወረቀት ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን ዘሐደሰን ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ክኣቱ ዘይግደድ እንተኮይኑ ድማ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
ሰነድ ጨረታ ንመስኖ ስትራክቸር 150 ቅርሺ ንመጋዕዝያ 100 ቅርሺ ዘይምለስ ከፊልካ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 1 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል
ትሕጃ ዝምልከት ንነፍስወከፍ ናይ መስኖ ስትራክቸር 15,000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይድማ ሰርቲፋይድ ዝኮነ ቸክ ወይ ጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
ንመጋዕዝያ ሲሚንቶ 5,000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይድማ ሰርቲፋይድ ዝኮነ ቸክ ወይ ጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
እቲ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 13 ታሕሳስ 2008 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡ 00 ተዓሺጉ ሰዓት 4፡ 30 ተጨረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይምርካቦም ሕጊ ጨረታ ዘማለአ ተኮይኑ ጨረታ ምክፋት አይተዓናቀፍን
እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346620283 ወይድማ 0346620221 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ