ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ክልል ትግራይ ናይ ፅ/መሳርሒ ደቀቅቲ ናዉትን ከጫርት ስለዝደለየ ኣብቲ ጨረታ ክሳተፉ ዝደለዩ ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 21/01/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 12/02/2012 ኣብ ዘለዉ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰነድ ጨረታ ብር 50 ብምግዛአ ካብ ቢሮና ክወስዱ ትኽእሉ

ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጥቅምቲ 12, 2012 3:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጥቅምቲ 12, 2012 3:30 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ሓሙስ መስከረም 22, 2012 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 0.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 0.00
ናይ ጨረታ ኩነታት: ተዓፅዩ

1 ተጫረቲ ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ መቕረባይነት መታወቕያ ናይ ግብሪ ከፋላይን ቲን መረዳእታ ቫት ተመዝጋባይ ዝኮነ ናይ ወርሒ ሓምለ 2011ዓ/ም ዲክለር ዝገበረ

2  ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ 5000 ብ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርብ ዝክእል ተጫረቲ ዝጫረቱሉ ዋጋ ብቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ዋጋ መቕረቢ ቕጥዒ ብምምላእ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ዝተገለፀ ግዜ ኣብ ቢሮና ኮምፕሌክስ ህንፃ 4ይ ብሎክ 4ይ ፎቕ ቁፅሪ 228 ናብ ዝርከብ ሳንዱቕ ጨረታ ከእትዉ ዝክእሉ

3 ተጫራታይ ንዝሰዓሮም ንብረት ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ዝክእሉ

4 እቲ ጨረታ ጥቅምቲ 12/02/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ተዓፀዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ጥቅምቲ 12/01/2012 ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

5 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት 10 ሚኢታዊ መከበሪ ዉዕሊ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

7 ቤት ዕዮ ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ዝምረፀሉ እዋን ዝግዛእ ኣቅሓ ወይ ግልጋሎት ዓቀን ወይ ዋጋ ከም ኣድላይነቱ ካብ ነፍሲ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ 20 ዒስራ ሚኢታዊ ናይ ምቅናስ ወይ ምዉሳክ መሰል ዝተሓለወ ምካኑ

8 ኣብቲ ትመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸዉን ኣለዎ

ጨረታ መደብ