ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ንቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝውዕል ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብግልፂ ብጨረታ አወዳደዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሕዳር 6, 2011 3:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሕዳር 7, 2011 3:30 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ዓርቢ ጥቅምቲ 23, 2011
posted:ልዕሊ 8 ዓመታት
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 50.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 5,000.00
bidding: search status closed
ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1 ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰን በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎን ፣ዝተሐደሰን መቅረባይነት ዘቅርብ
2 ተመዝጋቢ ቫት ዝኮነ ብእዋኑ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን
3 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 22/02/2011 ዓ/ም ክሳብ 06/03/2011 ዓ/ም ይከዉን
4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 06/03/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3፡00 እዩ።
5 ጨረታ ዝኸፈተሉ07/03/2011 3፡30 ባዕሎም ወይ ሕጋዉያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይከዉን
6 መክበሪ ጨረታ 5,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
7 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል
8 ሰዓራይ ኣካል 10% ውዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል
9 እቲ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክእስረ ዝክእል
10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0346-640172/172209/172118 ምድዋል ይከኣል።