ንሳልሳይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ብመሰረት ደንቢ ቁፅሪ 23/2018 ዓ/ም ን ነዚ ደንቢ መፈፀሚ ዝወፀ መምርሒ ኣፈፃፅማ መሸጣ መንግስታዊ ኣባይቲ መምርሒ ቁፅሪ 25/2018 ዓ/ም ን ንሓርበኛታት ጉዳኣት ኹናት መሕከሚ፣ ንተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስን ሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ንምክያድን ዘድሊ ሃፍቲ ንምትእኽካብ ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳር ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን 2 ብድምር 9 ንድርጅት ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ 7 ግልጋሎት ዝዉዕሉ ንመሸጣ ዝቐረቡ ኣባይቲ ምስ ምሉእ ትሕዝቶ መሬት ንምግዛእ ድሌት ዘለዎም ውልቀ ሰባት ፣ ውልቀ ነጋዶ ፣ ግዝያዊ ሽርክና ማሕበር (Joint Venture) ፣ ሕጋውያን ማሕበራት ፣ ናይ መንግስቲ ትካላት ልምዓትን ትካላት ንግድን ንክወዳደሩ ይዕድም ፡፡ በዚ መሰረት፣
ተጫራቲ ንሓደ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 20,000.00 / ዒስራ ሽሕ / ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ናብ ዝተኸፈተ ባንኪ ሒሳብ ቑፅሪ 1000539031663 ኣታዊ ብምግባር ናይ ባንኪ ስሊፕ ሒዞም ና ቢሮ ፋይናንስን ምምሕዳር ሃፍትን ክልል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 2-09 ብምምፃእ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ቅድ - ሰዓት 2፡30-6፡00 ድሕሪ ሰዓት ካብ ሰዓት 8፡00-10፡30 ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ 05/01/2019 ዓ/ም ክሳብ 14/01/2019 ዓ/ም ተኸታታሊ መዓልቲ ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ይኽእሉ እዮም ፣
2 ብሽም ውልቀ ነጋዳይ ፣ ድርጅት /ትካል/ ፣ ሓ/ዝተ/ውል/ማሕበር ወይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ንዝወዳደሩ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ፣ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/፣ ብመሰረት መጣየሺ ፅሑፍ ወይ መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ትካል ዝተውሃቦ ስልጣን የቕርቡ ፣
3. ብውልቀ ኣብ ጨረታ ክሳተፉ ድሌት ዘለዎ ተጫረቲ መንነት መረጋገፂ መታወቅያ
4. ብማሕበር ንዝወዳደሩ ድማ ሕጋዊ ሰውነትን መተሓዳደሪ ደንብን የቕርቡ፣
5. ተጫረቲ ንዝጫረትሉ መሬት /ገዛ/ ዝተቐመጠ መበገሲ ዋጋ ብዘለዎ ጠቕላላ ስፍሓት ካሬ ብ% ብምብዛሕ መኽበሪ ጨረታ CPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ጥራሕ ከቕርቡ ዝኽእሉ ፣
6. ጨረታ ዕለት 15/01/2019 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ጨረታ ንምኽፋት ኣብ ዝጥዕም ግልፂ ኣዳራሽ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ዝኸፈት ይኸውን ፣
7. በሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።
8 ንዝበለፀ ሓበሬታ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 2-09 ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ዝከኣል ምዃኑ ንሕብር ::
ምስ ሰላምታ
ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ
ድሕሪት