ናይ ጨረታ ምልክታ
ትካልና ማሕበር ጉዱኣት ኹናት ትግራይ ብ1988 ዓ/ም ዝተመስረተ መንግስታዊ ዘይኮነ ንትርፊ ዘይቆመ ሃገር በቀል ማህበር ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ኣዋጅ ቁፅሪ 1113/2011 ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ ትካል እንትኾን ኣብ ኣባላቱ ማሕበር ኢኮኖያዊ ፀገም ንምፍታሕ ኣናሰርሐ ዝርከብ ማሕበር ኮይኑ ዝተፈላለየ ዘገልገለ ንብረት ኮምፒዩተር፣ ፎቶ ኮፒ፣ ፕሪንተር፣ ጠረጰዛን ወንበርን ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ብዝሕ ዝበለ ጣውላን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደለየ ንክትጫረቱ ብኽብሪ ንዕድም።
1. እቲ ዝውገድ ዝርዝር ንብረት ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ስለ ዝርከብ ተጫረቲ ብኣካል ብምኻድ ምርኣይ ዝከኣል ምዃኑ።
2. ተጫረቲ ናይ እቲ ዝውገድ ንብረት ኣብቲ ዝተውሃበ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ተመሊኡ ብፖስታ ተዓሺጉ ይቐርብ።
3. ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ስዓት ካብ ክፍሊ ፋይናንስ 6ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 19 ዘይምለስ ብር 100.00(ብር ሓደ ሚእቲ ) ብምኽፋል ምግዛእ ይከኣል።
4. ናይ ጨረታ መክበሪ (ሲፒኦ)ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ወይ ጥረ ገንዘብ ብር 3,000.00(ሰለስተ ሺሕ) ከትሕዝ ዝኽእል ትኽእል፡፡
5. እቲ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 06/08/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 16/08/2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ኣብቲ ዕለት 16/08/2018 ዓ/ም /ም ሰዓት 3፡00 ቅድሚ ቐትሪ ተዓፂዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ 6ይ ደብሪ ኣደራሽ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት።
6. ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ዝኾነ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቐድን።
7. ተጫራታይ ሰዓራይ ምዃኑ ምስተነፀረ ኣብ ውሽጢ 3ተ ማዓልቲ ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ኣታዊ ገይሩ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ክወስድ ዝኽእል፡፡
8. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ኣድራሻ፡-
✓ ኣብ ከተማ መቐለ ክከተማ ሓወልቲ፡ ጣብያ ሰላም ጥቓ ህንፃ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ህንፃ ማሕበር ✓ ጉዱኣት ኵናት ትግራይ 6 ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ቢሮ ቁፅሪ 19 እዩ።
ንተወሳኺሓበሬታ፦ ሞባይል፡ 0914700869/765389 ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት