ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈትና ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 16, 2018 8:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 17, 2018 9:00 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ሶኒ መጋቢት 14, 2018
posted: ቅድሚ 7 ወርሒ
ናይ ደኩመንት ዋጋ:
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
bidding: search status closed

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈትና ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ዝተመዝገብለ መረዳእታ ናይ የካቲት ወርሒ 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2018 ዓ.ም፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. ውፅኢት ጨረታ ዝገልፅ መአዚዚ ዕደጋ (Purchase Order) ካብ ዝወሰደሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 2 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፣

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣

10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት16/07/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት።

ጨረታ መደብ