ቤ/ፅ/ኣ/ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ንምትሕልላፍ ብዝተቐመጠ አዋጅ መሰረት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ንመንበርን፣ንግድን ሆቴልን ኣፀደ ህፃናትን ጠቕላላ 158 ዝተዳለወ ቦታታት ብግልፂ ጨረታ ንተጫረቲ ንምትሕልላፍ ይደሊ፡፡
ምልክታ ሊዝ ጨረታ መሬት
1. ዙር ጨረታ 72
2. ዓይነት ጨረታ፡- መደበኛ
3. ቤ/ፅ/ኣ/ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ንምትሕልላፍ ብዝተቐመጠ አዋጅ ቑፅሪ 721/2004 አንቀፅ 8 ንኡስ አንቀፅ 1 ኣብ ፊደል ተራ ቑፅሪ ካብ ሆ ክሳብ '' ብዝተዘርዘረ መሰረት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ንመንበርን፣ንግድን ሆቴልን ኣፀደ ህፃናትን ጠቕላላ 158 ዝተዳለወ ቦታታት ብግልፂ ጨረታ ንተጫረቲ ንምትሕልላፍ ይደሊ፡፡
ስለዚ መሬት ብሊዝ ጨረታ ንምርካብ ንምውድዳር ዝደሊ ሰብ ካብ ዕለት 05/09/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ! ኣብ eUBAS ሲስተም ናይ ተጠቃምነት ኣካውንት ንምፍጣር ፤ ዘይምለስ ብር ንመንበርን ኣፀደ ህፃናትን ትወዳደሩ ብር 3500.00 (ሰለስተ ሽሕ ሓሙሽተ ሚኢትን ቅርሺ) ከምእውን ንንግድን ሆቴልን ትወዳደሩ ብር / 4000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ ቅርሺ) ብምኽፋል ኣብ ከተማ መቐለ መዘጋጃቤታዊ እቶት ኣብ ስራሕ ሰዓት ክፍሊት ካርዲ ደረሰኝ ምቑራዕ ዝከኣል ምዃኑ ነፍልጥ።
4. ናይ ክፍሊት ካርዲ/ደረሰኝ መረፃ ግዜ ፡ ካብ ዕለት 050/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 18/09/2017 ዓ/ም ቕድሚ ሰዓት 0 ሰዓት ጥራሕ ይኸውን፣
5. ጨረታ ናብ (eLBAS System) ምእታው ዝዕፀወሉ ዕለት 18/09/2017 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ይኸውን፣
6. ጨረታ ብ(eLBAS System) ናይ ምንባብ ስነ ስርዓት ዝካየደሉ ዕለት 19/09/2017 ዓ/ም ኣብ ኣ/ም/መ/ከ/መቐለ ኣዳራሽ ተጫረቲ/ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ንጎሆ ሰዓት 03፡00 ይኸውን፤
7. ናይ መወዳእታ ውፂኢት ዝጥቀዐሉ ዕለት 25/09/2017 ዓ/ም ንጎሆ ሰዓት 03፡00 ይኸውን፤
8. ናይ ጨረታ ዝርዝር መረዳእታ ኣብ ናይ ሓሙሽቲአን 5 ክፍለ ከተማታት መጠቅዒ ሰሌዳን ኣብ መርበብ ሓበሬታ http://www.tigraitv.com - ኣብ facebook-page" Facobook.com/dmtsiweyane ወይ ኣብ “Mekelle city communication affairs ምርኣይ ይክኣል::
9. ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋሉ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።