ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንተምሃሮ ምግብና ግልጋሎት ዉዕል (cooking material) ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ

ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 29, 2017 8:30 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 30, 2017 9:00 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ረቡዕ ሚያዝያ 22, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ:
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
ናይ ጨረታ ኩነታት: ተዓፅዩ

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ንተምሃሮ ምግብና ግልጋሎት ዉዕል (cooking material) ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ

1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 22/08/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 29 /08/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍን መተሓባበሪ ትግራይ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።

2. እቲ ጨረታ ዕለት 29/08/2017 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time)ተዓዕዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኽፈት ::

መብርሂ

ጨረታ መደብ