ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣቁሑ መኪና ክገዝእ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጥቅምቲ 23, 2016 3:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጥቅምቲ 23, 2016 3:30 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ሰሉስ ጥቅምቲ 20, 2016
posted:ልዕሊ 2 ዓመታት
ናይ ደኩመንት ዋጋ: --
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: --
bidding: search status closed
ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ን፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂን ዘቕርብ፡፡
2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ካብ ዕለት 20/02/2016 ዓ.ም ጀሚሩ እናመፃእኹም ካብ ቢሮ ቁፅሪ 110 ምውሳድ ይካኣል።
3 ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 23/02/2016 ስዓት 03፡00 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣታዊ ኾይኑ ይዕሸግ፡፡
4 ፕሮፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 23/02/2016 ስዓት 03፡30 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን፡፡
5 እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ግዝኢት ፈፃሚ ኣካልን መቕረባይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡
6 ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከረክብ ዝኸእል።
7 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
8 ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።
9 ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡
10 ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-01-77 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል።
ምስ ሰላምታ
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ