ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኣብ በጀት ዘመን 2013ዓ/ም ንኣግኣዚ ዞፕሬሽን ህንፃ/ ቤት ፅሕፈት ምም/ር ከተማ መቐለ/ ናይ ፅሕፈትን ፅሬት መሳርሕን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መስከረም 22, 2013 8:30 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መስከረም 23, 2013 9:00 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ቀዳም መስከረም 9, 2013 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 50.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 5,000.00
ናይ ጨረታ ኩነታት: ተዓፅዩ
1 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኾንኩም ናይ ቫት ሰርተፊኬት ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ ናይ ግበሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ሰረተፊኬት ቲን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ብናይ እቶት ቫት ሪፖርት መግበሪ ግዜ ሰሌዳ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ሪፖርት መረዳእታ ብኮፒ ዘተሓሕዝ
2 ተጫረቲ መወዳደሪ ሰነድ ዘይምለስ 50 ብር ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ምዉሳድ ይክእሉ
3 ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ንፅሕፈት መሳርሒ 5000 ብር፣ ንፅሬት መሳርሒ 2000 ቅርሺ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ እትክእሉ ምኻንኹም ንገልፅ
4 ጨረታ ዝቐርባሉ ናይ መወዳእታ ዕለት 22/01/2013ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
5 ትካልና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ 03