ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንግልጋሎት ጣብያታት ጥዕና ስራሕቲ ስላብ ሞልድን ንስራሕቲ ብረት ማዕፆን መስኮትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደርቲ ይዕድም
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ታሕሳስ 5, 2008 6:00 ደ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ታሕሳስ 5, 2008 6:00 ደ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ዓርቢ ሕዳር 17, 2008
posted:ልዕሊ 11 ዓመታት
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 50.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
bidding: search status closed
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ ታት
- ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈልኩም
- ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን
- መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ
- ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
- መቅረባይነት ዝተመዝገበኩምን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
- መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ንስላብ ሞልድ 20,000 ቅርሺ ንስራሕቲ ማዕፆን መስኮትን 15,000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
- ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ንዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስረሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 3 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ
- እቲ ጨረታ ካብ 20 ሕዳር 2008 ዓም ጀሚሩ ን 15ተ መዓልቲ አብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከዉን 5 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 3፡ 30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
- ጨረታ ዝሰዓረ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር መሰረት ዘቅርብን መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ይግባእ
- ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከይሓወሰ ዘቅርብ ተጫራታይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰሉ ይዉሰዱ
- ተጫራታይ ብመሰረት ዝርዝር ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቢሮ ሓለወ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር
- ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ስላብ ሞልድ ኣብ ዉሽጢ 45ን መዓልቲ ኣታዊ ዝገብርን ዝክእል ኮይኑ ስራሕቲ ማዕፆን መስኮትን ዛዚሙ ኣብ ዉሽጢ 120 መዓልትታት ብቢ ወረድኡ ዝገጥም ክከዉን ኣለዎ
- ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 42 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ
- ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344400451 /0348409782 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል