ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ስፖርት ከምኡውን ኣቅሑት ካፌ ክተቅርቡ ትክእሉ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጉንበት 15, 2011 8:30 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጉንበት 16, 2011 9:00 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ረቡዕ ሚያዝያ 30, 2011
posted:ልዕሊ 7 ዓመታት
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 50.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 3,000.00
bidding: search status closed
1 ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝኸልኩምን ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ንነብሲ ወከፍ ሎት በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ፣
2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝኽእሉ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤
3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ እዋኑ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርሉ መረዳእታ እውን ከቅርብ ይግባእ፤
4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣገልግሎት ዕደጋ እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ፤
5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዝተዓሸገ ክሳብ 15/09/2011ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።
6 እቲ ጨረታ 15/09/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዘለውሉ ብኣካል ዘየለው እውን ዝተማልአ ሰነድ ብምቅራብ ይከፈተለይ እንተይሎም ይኽፈት።
7 መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል፤
8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።