ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሹም ንኣብየተ ፅሕፈት እቲ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለየ መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 29, 2011 8:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 29, 2011 8:30 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ዓርቢ ሚያዝያ 4, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 0.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 3,000.00
bidding: search status closed
1 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመገብን ናይ ወርሒ ለካቲት ናይ 2011 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤
2 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2011 ዓም ከቅርብ ዝክእል፤
3 ዝተሐደሰ ወረቀት ምክስር ከምእዉን መለለይ ቍፅሪ ከፍልቲ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል፤
4 ሰነድ ጨረታ ብነፃ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሺም ደጋፋ ከይዲ ስራሕን ንብረት ምምሕዳርን ምዉሳድ ይከኣል፡፡
5 መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ እዉን ብሰፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተዉሃበ ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዝ ዝእክል፤
6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡
7 ሳንዱቅ ጨረታ 29/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡
8 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝን ወፃኢን ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ጋንታ አፈሹም ከቅርቡ ይግብእ፡፡
9 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ከምእዉን ንዝወሰድዎ መወዳደሪ ሰነድ ዋላ ሓንቲ ከይ ኣጉደሉ ንነብሰ ወከፍ ማህተም ክታምን ክዕርፍሉ ይግባእ፡፡