ን3ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ንቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝውዕል ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብግልፂ ብጨረታ አወዳደዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሕዳር 30, 2011 3:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሕዳር 30, 2011 3:30 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ሶኒ ሕዳር 17, 2011 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 50.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 5,000.00
ናይ ጨረታ ኩነታት: ተዓፅዩ
ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1 ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰን በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎን ፣ዝተሐደሰን መቅረባይነት ዘቅርብ
2 ተመዝጋቢ ቫት ዝኮነ ብእዋኑ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን
3 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 15/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 29/03/2011 ዓ/ም ይከዉን
4 መክበሪ ጨረታ 5,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
5 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል
6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/03/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3፡00 እዩ። ጨረታ ዝኸፈተሉ 30/03/2011 3፡30 ባዕሎም ወይ ሕጋዉያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይከዉን።
7 ሰዓራይ ኣካል 10% ውዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል
8 እቲ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክእስረ ዝክእል
9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።