ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ንኣብያተ ቤት ፅሕፈቱ ወረዳ ዓደዋ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት: ኣቅሑት ፅሬት : ኤሌክትሪኒክስ : መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ብስክሌት :ሕትመን ዝኣመሰሉ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 9, 2010 3:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 9, 2010 3:30 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ሶኒ መጋቢት 17, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 50.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 4,000.00
ናይ ጨረታ ኩነታት: ተዓፅዩ
1 ከከም ኣድላይነቱ ተጫረቲ ዉሽጢ ዓዲ ዝተሐዳሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ : መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ካምኡዉን ዋናን ቅዳሕ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
2 ተጫረቲ ዉሽጢ ዓዲ 2009 ዓም ግብሪ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
3 ተጫረቲ ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ናይ ወርሒ ጥሪ 2010 ዓም ሒሳብ ዘፍለጡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል
4 ሰነድ ጨረታ ንምዉሳድ ንነብሰወከፍ ሰነድ ዘይምለሰ 50 ቅርሺ እነዳከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ቢሮ ቁፅሪ 7 ምዉሳድ ትክእሉ
5 መከበሪ ጨረታ 4000 ቅርሺ ክትሕዙ አለዎም
6 ተጫራታይ ንስዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ከቅርብ አለዎ
7 ናይ መሳርሒ ፅሕፈትን ኣቅሑት ፅሬትን ጨረታ 9 ሚያዝያ 2010 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት
8 ናይ ኤሌክትሮኒክስ :ሕትመትን: ናይ ሞተር ብስክሌትን መለዋወጢ ኣቅሑትን ጨረታ ዝዕፀወሉ መዓልቲ 9 ሚያዝያ 2010 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ይክፈት
9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347712321 ወይድማ 0347712160 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል