ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን /ደደቢት ትፍልም/ ናይ ኤሌትሪክ ምሰሶ መምረቲ ሞልድ ኣጫረቱ ንክሰርሕ ስለዝደሊ ክትጫረቱ እትደልዩ እዚ ዝስዕብ ረቍሓታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ትክእሉ ምኻንኩም ንገልፅ።
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: የካቲት 17, 2006 6:00 ደ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጳጉሜን 5, 2005 6:00 ደ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ሶኒ የካቲት 3, 2006
posted:ልዕሊ 12 ዓመታት
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 0.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 0.00
bidding: search status closed
ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይዚ ዘመን ግብሪ ዝኸፈልኩም ምኳንኩም ብተወሳኺ ድማ ቫት ዝተመዝገብኩም ምኸንኩም ዝገልፅ መረዳእታ ከቅርቡ ይግባእ
ተጫረቲ ካብ ዘቅርብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ ሲ.ፒ.ኦ ክትሕዙ ዝኽእል።
ናይ ጨረታ መኽበሪ ካብቲ ዶክመንት ዝተገለፀ ጠቕላላ ዋጋ 2% ዝነኣስ እንተቅሪቡ ካብቲ ጨረታ ዝስረዝ ምኳኑ።
ናይ ጨረታ ዶክመንት ቴክኒካልነ ፋይናንሻልን ሓደ ኦርጅናልን ሓደ ፎቶ ኮፒን ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ሽም ትካል ኣድራሻ ሕጋዊ ማሕተም ዘለዎን ነንበይኖም ብፖስተ ዝተዓሸጉ ኩሎም ድማ ብሓደ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጎም ነዚ ጨረታ ኣብ ዝተቐመጠ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ምልክታ ዝወፀሉ 29/05/2006 ዓ/ም ደሚሩ ክሳበ ዕለት 17/06/2003 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 11፡00 ኣብ ዘሎ ሰዓት እዩ።
ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 18/06/2006 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3፡00 ቦታ ኣብ ደደቢት ትፍልም ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸውን
ዝርዝር ናይ ሕድ ሕድ ዝግለፅ ዶክመንት ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ/ፋይናንስ 4ይ ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 409 ብብር 200 ክትወስዱ ትኽእሉ
እቲ ትካል ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪብ እቲ ጨረታ ብኽፋል ወይም ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።