ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣብ ዓዲ ዝሓ ንዘስርሑ ዘሎ ህንፃ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ናይ ሰራሚክስ ኣብ ብግልፂ ጨረታ ኣጠዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ
AI ቅልጡፍ ፅማቕ
generated by ai* ተጫረቲ ዘይምለስ 300 ብር ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት (ቢሮ ቁፅሪ 2) ምውሳድ ዝኽእሉ ኮይኖም፣ ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና (CPO) ብር 40,000 ከትሕዙ ኣለዎም።
* ጨረታ ካብ ዕለት 11/03/2019 ክሳብ 19/03/2019 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ብዕለት 19/03/2019 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ይኽፈት።
* ዝሰዓረ ተራታይ ፍልጠት ካብ ዝተወሃበሉ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚን መራገፊን ሓዊሱ ንብረት ናብ ዳዕሮ ሳይት ከረክብ ዝኽእል ክሆን ኣለዎ።
ምልክታ ግልፂ ጨረታ ህንፃ መሳርሒ
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣብ ዓዲ ዝሓ ንዘስርሑ ዘሎ ህንፃ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ናይ ሰራሚክስ ኣብ ብግልፂ ጨረታ ኣጠዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፤
1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2018 ዓ/ም ወይ 2019 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ናይ ቫት ተመዝገብቲ መረጋገፂ ምስክር ወረቀት፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት(II) ' ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝኸእለ
2. ተጫረትቲ ብር 40,000 (ኣርባዓ ሽሕ) ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ካብ ዝተፈለ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዚዚ (cpo) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኽእሉ
3. ተረቲ ኦርጅናል ዋጋ ዝመልእሉ ዶክመንት ናይ ድርጅቶም ማህተም ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብንፁር ብምግባር፣ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ድሕሪኡ ኣብቲ ዝተዓሸገ ፖስታ ማህተምን ዝተወዳደርሉ ዓይነት ንብረት ብምፅሓፍ ከቅርቡ ኣለዎም። ተጫረቲ ዋጋ ካብ ናይ ባዕልና ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ምምላእ ኣይከኣልን፤
4, ተጫረቲ ድሕሪ ሳዕን ምኽፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ ንዝብል ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን ናብ ትካልና ኣታዊ ይከዉን ማለት እዩ/
5. ተረትቲ ዘይምለስ ብር 300.00 (ሰለስተ ሚእቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ቁፅሪ - 2 ክፍል ዕድጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኸእሉ።
6. ዝሰዓረ ተራታይ ሰዓራይነቱ ምስ ተነገሮ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% (ዓሰርተ ፐርሰንት) መኽበሪ ውዕለ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መእዘዘ (cpo) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝኸእል ውዕሊ ክኣስር ዘይኽእል ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ናብ ትካልና ኣታዊ ይግበር፤
7. ዝሰዓረ ተራቲ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዘትረብና ስፔስፊኬሽን መሰረት ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ዳዕሮ ሳይት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ መዕንን መራፍን ሓዊሱ ከረክብ ዝክእል።
8. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 11/03/2019 ክሳብ 19/03/2019 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ዕለት 19/03/2019 ዓ/ም ሰዓት 4 00 ቅደሚ ተትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ትካልና ቢሮ ቁፅሪ‐2 ይኽፈት: ተረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ እንተዘይተረኺቦም ትካልና ጨረታ ሰነድ ናይ ምኽፋት መሰለ ዝተሓለወ እዩ::
9. እቲ ብተጫረትቲ ዝምላእ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ብናይ ኢትዮጵያ ብር ይኸውን፤
10. ትካልና ካብ ብር 20 000 ን ልዕሊኡን ንዝግበር ናይ ንብረት ካብ ብር 10000 ን ልዕሊኡን ንዝግበር ናይ ግልጋሎት ዕድጊታት 2% withholding tax) ትካልና ባዕሉ ዝእክብ ምኻኑ ዝኾነ መቅረባይ ኣፍልጦ ክህልዎ ይግባእ፤
11. ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 15 መዓልቲ እዩ፤
12. ትካልና ብድሌቱ ክሳብ 20% መጠን እቲ ጨረታ ክዉስኸ ይኽእል፤
13. ትልና ከ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ሕሉው እዩ።
ኣድራሻና: - ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ባንኪ ኣቢሲንያ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንርከብ፡ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0967-568418/0914766793 ይደውሉ።