ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ናይ 45 መዓልቲ ዕድመ ዘለወን ጫጩት፤ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፤ ናይ ፅሬት ኣቑሑ ፤ ናይ ቢሮ ኣቑሑ (Furniture)፤ ናይ ገዛ ኣቑሑ፤ ኤሌከትሪካል ኣቁሑን ምግቢ ተንከፍን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ
ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ብዝተረኸበ ሓገዝ
1. ናይ 45 መዓልቲ ዕድመ ዘለወን ጫጩት፤ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፤ ናይ ፅሬት ኣቑሑ ፤ ናይ ቢሮ ኣቑሑ (Furniture)፤ ናይ ገዛ ኣቑሑ፤ ኤሌከትሪካል ኣቁሑን ምግቢ ተንከፍን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን መቕረብቲ ዝኾንኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 03 /11 /2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 06 /11/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና መፂኹም ክትወስዱ ትኸእሉ።
✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 06 /11/ 2026 ስዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 06 /11/ 2026 ስዓት 9:00 ድሕሪ ስዓት ይኸዉን
መብርሂ፤
➢ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኸእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ
➢ ኣብ ናይ ጨቓዊት ጨረታ ክሳተፍ ዝኸእል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ወረዳ ኢሮብን ጉሎ መኸዳን መዕበይ ጨቓዊት ቦታ ዘለዎም ጥራሕ ይኸዉን። ምኽንያቱ እተን ጨቓዊት ንነበርቲ ወረዳ ኢሮብ ዝዋሃባ ስለዝኾና ካብ ካሊእ ራሕቂ ዘለዎ ወረዳ ምጉዕዓዝ መምርሒ ቢሮ ሕርሻ ስለዘይፈቕድቅን ነቲ ከባቢ ኣየር ፀባይ ዝተላመዳ ክኾና ስለዝግባእን እዩ።
ምስ ሰላምታ