ፕሮፎርማ ቑፅሪ 14 /2018
ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ዝርዝር ተደላይ ናይ ጀነሬተር መፅላሊ ዝኾውን ገዛ ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ ነዚ ቅጥዒ ዝመለአ ነጋዳይ
ንቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ጀነሬተር መፅላሊ ዝኾውን ገዛ _ግልጋሎት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ ምኻንኩም ንገልፅ፡፡
➢ በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ፣
➢ ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ/TIN/ ዘለዎ ምኻኑ መረዳእታ ዘቕርብ ፣
➢ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል።
➢ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተለጠፈሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ናብ ቢሮ ፍትሒ ብምቅራብ ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅርኹምን ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ናይ መንነት መታውቕያ ኮፒ ብሙሉእ ክትገብሩዎ ነመልክት ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽምን ፊርማን፣ ሓዚ ትርከበሉ ኣድራሻን ናይ ትኻልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 11/10/2018 ዓ/ም ክሳብ 16 /10/2018 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ድ/ሰዓት ክተቕርቡ/ክትወዳደሩ ትኽእሉ።
➢ እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 16 /10/2018 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳር ቢሮቑፅሪ 317 ይኽፈት።
➢ ቢሮና ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ክምላእ ይግባእ።
እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፈርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ከም ሕጋዊ - ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክትፈልጡ ይግባእ፡፡
➢ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፎርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
➢ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ቅርቡ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል
➢ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደር ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተኣገደ እግዱ ከይተልዓለሉ ክወዳደር ኣይኽእልን።
➢ ኣብ ቢሮና ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዘለዉና ዝተፈላላዩ ናይ ስራሕቲ ናብ ቢሮ መፂኡ ትርጉም ክትውስዱን ክትመጺኡን ዝኽእል።
➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344408714/0914768850/0914015536 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል
ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ናይ ጀነሬተር መላሊ ዝኾውን ገዛ ግልጋሎት ዝርዝር ተደላይ ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ
| ተ.ቑ | ዓይነት ንብረት | እስፐስፊኬሽን | መለክ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቕላላ ዋጋ ብር | ||
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳ | ብር | ሳ | |||||
| 1 | ናይ ጀነሬተር መፅላሊ ዝኾውን ገዛ | ብዲዛይን መሰረት | ብቑፅ | 01 | ||||
ሽም፡ ፌርማ፡-
ዕለት፡
ስልኪ ቑፅሪ
ድሕሪት