ኮሌጅና መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ ኤሌክትሮኒከስ ኣቕሑት /ላፕቶፕ/ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 10 /2018 ዓ/ም

ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/1597/18 

ዕለት 10/10/2018 ዓ/ም

ኮሌጅና መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ ኤሌክትሮኒከስ ኣቕሑት /ላፕቶፕ/ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ተረቲ መፂእኹም ምውድዳር ትኽእሉ ኢኹም። መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ

1/ ን 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም፡፡

2/ ናይ ግብሪ ክፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TIN N / ዘለኩም፡፡

3/ ን2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ዘለኩም፡፡

4/ 3% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል ።

5/ ዝቐርቡ ናይ ፕሮፎርማ መወዳደሪ ሰነዳት ብደምቢ ዝንበቡን ስርዝ ድልዝ ዘይብሎምን ክኾኑ ኣለዎም።

6/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ መወዳደሪ ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ኮሌጅና ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምም/ን ቢሮ ቑፅሪ 08 ካብ ዕለት 11/10/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 15/10/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታት ምውሳድ ትኽእሉ።

7/ እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 16/10/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 3:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ ኮሌጅና ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ መቐለ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኽፈት። ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ዕለትን ስዓትን ናይ ምርካብ መሰልኩም ዝተሓለወ ኮይኑ ተረቲ ብዘይምርካብኩም ግን ምኽፋት እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።

8/ ስዓራይ ምስተፈልጠ ስዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልታት ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጉዓዝያ ናብ ኮሌጅና ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።

9/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረኳ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

10/ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጊዜ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 7 ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ።

11/ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዝተቐመጠ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ኣይፍቀድን።

12/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92_ ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።

ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
s