1 ናይ 2018 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
2 ኣብ ቢሮ ልምዓት ከተማ ኮንስትራክሽን ክልል ትግራይ ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ህንፀት ስራሕቲ መዝገባ ፈቃድን ወይድማ ከተማታት ኣብያተ መዘጋጃ ዝተመዝገብሉ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ነዚ ደረጃ ዝምጥን ብቅዓት መረጋገፂ ሰርትፈኬት ከቅርቡ ዝክእሉ
3 ናይ ቫት ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክላሪሽን መረዳታ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ቲን ቁፅሪን ዘለዎም
4 ናይ ጨረታ ዉሕስና ማለት እዉን ክፍሊት መአዘዚ ቼክ ወይድማ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ እዉን ብጥረ ገንዝብ ብር 500000 ከቅርቡ አለዎም
5 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ውዕሊ ካብ ዝፈፀምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 180 ተከታታሊ መዓልቲታት መሉእ ብመሉእ ዛዚሞም ከረከቡ አለዎም
6 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 21/9/2018 ዓም ጀሚሩ ኣብ ዋና መዘጋጃ ቤት መቐለ ዝረከብ ከይዲ ሰራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ቢሮ ቁፅሪ ቀደማይ ድብሪ ኣድላይ ዘበለ መረዳአታታት ብምሓዝ ዘይምለስ ብር 1500 ብምክፋል ከገዝእ ይክእሉ
እዩም
7 ተጫረቲ ናይቲ ዝተጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ፋይናንሻል ደኩመንት ሐደ ዋና ክልተ ፎቶ ኮፒ ከምእዉን ቴክኒካል ደኩመንት ናይ ሐደ ኦርጅናልን ኮፒን ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነድ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታ ኣብ ካልእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሸም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ኣብ ቀዳማይ ደብሪ ኦፊስ ዋና ቤት መዘጋጃ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 22/10/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዩም
8 ተጫረቲ አብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብሰወከፍ ገፅ እቲ መረዳእታ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ መረዳእታ እንተይኣዛብዑ እቲ መረዳእታ ከምቲ ክሸየጥ እንተሎ ዝነበረ ከይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም ዝተጎደለ ብትክክል ዘይተመለአን ቅደም ሰዓብ ዝተዛበዓን ጨረታ ካበ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ
9 እቲ ጨረታ ኩሉም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ 22/10/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:30 ኣብ ዋና ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ቀዳማይ ደብሪ ክክፈት እዩ
10 እቲ ከይዲ ሰራሕ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ አዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 03444407332
ድሕሪት