ምልክታ ግልፂ ጨረታ ዝውገድ ንብረት ።
ቁፅሪ ዕ/ን/1/ 2018 15103 ዕለት 24 /09/2018 ዓ/ም
ኣብ ቤ/ፅ/ል/እ/ፋ/ምም/ር/ወ/ኣበርገለ የጭላ ዝርከብ ዝውገድ ንብረት ኣጫሪቱ ክሸይጥ ይደሊ ።
➢ እቲ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ ዕለት 25/9/2018 ሰዓት 4፡00 ክሳብ ዕለት 10 /10/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00
➢ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 10/10/2018 ሰዓት 400 ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 10/10/2018 ሰዓት 4፡30
➢ ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ወ/ኣበርገለ የጭላ ቤትፅ/ት ል/እ/ም/ር/ፋ/ከ/ስ/ዕ/ን/ም/ር ኣብ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 28እዩ ።
➢ ኣብዝ ጨረታ ክሳተፉ ደሌትን ኣፍልጦን ንዘለዎም ዜጋታት ክፉት ምኻኑ ንሕብር ።
➢ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ዝደሊ ዘይምለስ 200 ብር ብምኽፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ክዕድግ ይግባእ
➢ ኣብዝ ጨረታ ንምስታፍ መኽበሪ ጨረታ 10,000 ብር ባንኪ ዝተረጋገፆ C.P.O ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ።
➢ ቤ/ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው 'ዩ።
➢ ሰዓራይ ተረጋጊፁ ውዕል ካብዝኣስር ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ንብረቱ ከልዕል ኣለዎ ።
➢ እዚ ጨረታ ብኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 ብመምርሒ ምም/ር ንብረት ትግራይ ቁፅሪ 9/2010 ብዝእዝዝዎ መሰረት ተፈፃሚ ይኸውን ካሊእ ኣብዝ ጨረታ ምስቲ ኣዋጅን መምርሕን ዝጛነፅ ቃል ኮነ ሓሳብ እንተሃሊዩ ከም መምርሒ ኮይኑ ኣየገልግልን ።
// ምስ ሰላምታ //
መምርሒ ተጫረቲ ምውጋድ ንብረት
➢ ናይ ዝጫራት ንብረት ግምታዊ ዋጋ ለዕሊ 200.000 ሽሕ
➢ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፉ ኣፍልጦን ድሌትን ዘለዎም መምርሒ ተጨረቲ ኣክቢሮም ንዝጫረቱ ክፉት ዩ።
➢ ተጫረቲ ዘይምለስ 200 ብር ናብ ወ/አ/የጭላ ፋይናንስ ኣካውንት ቁፅሪ 1000539304473 ንግዲ ባንኪ ኣታዊ ብምግባር ናይ ጨረታ ሰነድ ክዕድጉ ኣለዎም ።
➢ ኣብዝ ጨረታ ዝሳተፉ ተጫረቲ 10.000 /ዓሰርት ሽሕ ብር መኽበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ C.P.O ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም ።
➢ ቤ/ፅሕፈትና ኣድላይ ኢሉ እንተኣሚኑ ምስ ዘሸነፈ ታጫራታይ መኽበሪ ውዕል ክሓትትን ውዕል ክኣስር ዝክእል ።
➢ እቲ መኽበሪ ጨረታ 1ይ 2ይ 3ይ ናይ ዝወፁ ተጫረቲ ተታሒዙ ዝፀንሕ ኮይኑ እቲ 1ይ ዝወፀ ውዕል እንተዘይ ኣሲሩ ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ኣዋፅኣይ እንተኾይኑ ካልኣይ ዝወፀ ኣሸናፊ ምግባር ይከኣል ።
➢ መኽበሪ ጨረታ ዝልቀቕ ዘሸነፈ ኣካል መኽበሪ ውዕል ኣትሒዙ ውዕል ምስ ኣሰረ ሓላፊ ውሳነ ምስሃበሉን ይኸውን ።
➢ ንብረት ወጋዲ ኮሚቴ ሰነድ ጨረታ ሳንዱቕ ጨረታ ኣዳሊው ብሰዓቱ ይዕሽግ ሳዓት ኣሕሊፎም ንዝመፁ ሰነዳት ጨረታ ተቐባልነት የብሎምን ኢሉ ይመልስ/ይነግር ።
➢ ተጫረቲ ንዝጫረትዎ ንብረት ዝሪኡሉ ዕለት 8/ 10/2018 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ቤ/ፅ/ል/እ/ም/ር/ፋ/ከ/ስ/ዕ/ን/ም/ር ይኸውን ።
➢ እዚ ጨረታ ዘሸነፈ መኽበሪ ውዕል ናይቲ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% ብባንኪ ዝተረጋገፀ C.P.O ወይ ብጥረ ገንዘብ ከም ኣድላይነት ቤ/ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝኽእል ዘ
➢ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብዝተረኸቡሉ ኣብ ቤ/ፅ/ል/እ/ም/ር/ፋ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር 1ይ ደብሪ ቁፅሪ28 ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ብዘይ ምርካቦም ግና ምኽፋት ጨረታ ኣይጉላእላእን
➢ ቤ/ፅሕፈትና ነዚ ጨረታ ብኽፋል የኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልውዩ ።
➢ ኣብዝ ጨረታ ካብ ሕግን መምርሕን ወፃእ ክኸይድ ዝተረኸበ ተጫራታይ ብሕጋዊ ኣገባብ ክንሓቶ ምኻና ነፍልጥ ።
➢ እቲ ዘሽነፎ ንብረት አብ ዘዘለውዎ ቦታ እናኸደ ናይ በዕሉ ሚዛን ኣቅረቡ ብናይ በዕሉ ጉልበት ስራሕተኛ እናተመዘነ ንብረት ወፃኢ እናገበረ ይወስድ።
➢ ተጫረቲ ንዝጫረትዎ ንብረት ዝሪኡሉ ዕለት 4/10/2018 ዓ/ም ኣብ ናይ ጅጀቐ ዝርከብ ንብረት ስራሕ ሰዓት አብ ቤት ዕ/ት ፓሊስ ይኸውን ።
➢ ኣብዝ ጨረታ ምስቲ ኣዋጅን መምርሕን ዝጛነፅ ቃል ኮነ ሓሳብ እንተሃሊዩ ከም መምርሒ ኮይኑ ኣየገልግልን ።
➢ ተጨራተይ እቲ ተመዚኑ ዝተውሃበ ንብረት ሽዑ ንሽዑ ብውዕሊ መሰረት ገንዘብ ናብ መንግሰቲ ካዝና አታዊ ገይሩ ንብረቱ ያለዕል ።
➢ ተጨራታይ ወፀኢታት ዝምልከት ናይ መመዚኒ -መፅዐኒ- መጋዓዓዝን መራገፍን ወፃኢ በዕሉ ይከፍል /ይሽፋን/
➢ ተጨራታይ አብ ከይደ ጨረታ ማለት አብ ንብረት ምምዛን -ምፅዓን-ምጉዕዓዝን ምርጋፋን ንዘጋጥም ሐደጋ ሐላፋነት በዕሉ ይወስድ ።
➢ ንዝበለፀ ሓበሬታ 09 63509643 ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት