ግልፂ ጨረታ
ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ናይ ቲሸርት ሕትመትን ኤሌክትሮኒክስን ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1. ሕጋዊ ንግዲ ክማላእ ዝግበኦ ፍቃድ ዘለኩም ናይዚ ዘመን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ዘይምለስ ፎቶኮፒን ዘቅርብ።
2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅራቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብን።
3. ቫት ናይ ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፊኬትን ናይዚ ወርሒ ዲክለር ዝገበርክሙሉ መረዳእታ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ።
4. መኸበሪ ጨረታ ብር 5000(ሓሙሽት ሽሕ ብር) ሲፒኦ ሕጋውነቱ ካብ ዝተረፓ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምስቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝኸእል።
5. ጨረታ ዝጋወሐለ ዕለት 29/08/2018 ዓም ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት13/09/2018 ዓ ም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 430 ንጉሇ ባዕሎም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ኣብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ይኸፈት
6. ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ንዝርዝር ኣፈፃፅማ እቲ ገምጋምን ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ - 10 ፋምም ዳርን ብር 50 እናኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 29/08/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 13/09/2015 ዓም ሽም፡ ኣድራሻ ፊርማ ማህተም ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣታዊ ይገብር።
7. ተጫራቲ ሳዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።
8. ተራቲ ውዕሊ ምስ ኣሰረ ዝሳዓሮም ንብረታት ብናይ ባዕሉ ትራንስ ፖርት - ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማመት ኣታዊ ይገብር።
9. ኣብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋደይ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝከውን ንጨረታ መክበሪ ዘትሕዞ ገንዘብ ናብ ማሕበር መናእሰይ ካዝና ኣታዊ ይኸውን "
10. ኣሸናፊ( ሳዓራይ ) ዝኮነ ተወዳዳራይ 3% ዊዝ ሆልዲንግ ይኸፍል።
11.መቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
12. ኣድራሻና ኣብ 03 ቀበሌ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር መናእሰይ ትግራይ
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑ ሰ.061413548/0914022473 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል።
ድሕሪት