ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክሲዮን ማሕበር፤ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ዓይደር ዓዲሓ (lot 4) G+4 ህንፃ ዲዛይን ክነስርሕ ሰለዝደለና

ዝዕፀወሉ መዓልቲ: የካቲት 25, 2017 3:30 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: የካቲት 25, 2017 4:00 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ረቡዕ የካቲት 19, 2017
posted:ቅድሚ ሓደ ዓመት
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 300.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 10,000.00
bidding: search status closed

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ንኣማኸርቲ

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክስዮን ማሕበር ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን ፀገማት ንምፍታሕን ነቲ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊ ማእኸል ገይራ ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ትካል እያ፡፡

በዚ መሰረት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክሲዮን ማሕበር፤ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ዓይደር ዓዲሓ (lot 4) G+4 ህንፃ ዲዛይን ክነስርሕ ሰለዝደለና ደረጃ ኣርባዐተን ልዕሊዑን ዝኾንኩም ኣማኸርቲ ነዞም ዝስዕቡ ረቚሓታት ተማልኡ ተጫረቲ ክትሳተፉ ንዕድም ፡፡

1. ናይ 2017ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ናይ ኣማኻሪ ምዝገባ ፍቓድ ፣ናይ ግብሪ ኸፋሊ መፍለይ ቲን፣ቫት ሓዊሱ ዋጋ እትመልኡ ተጫረቲ ቫት ምዝገባ ሰርቲፌኬት ከምተቕርቡ ምፍላጥ የድሊ፡፡

2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብ (CPO,bank gurrantie) /10,000/ዓሰርተ ሽሕ ብር) ከቕርብ ዝኽእል፡

3. ተጫረቲ ናይ ብቕዓት መረጋገፂ ደረጃ 4' ልዕሊዑን ዘለዎም ኮይኑ ተደለይቲ ሰብ ሞያ ዘማልእ ፡

4. እቲ ሰራሕ ኣብ ኣርባዓን ሓሙሽተን መዓልቲ ሰሪሑ ክውድእ ዝኽእል።

5. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ናይ ክልቲኡ ድምር ቴክኒካል ግምገማ(70%)ፋይናንሻል( 30%)ኾይኑ ዝለዓለ ውፅኢት ዝረኸበ ይኸውን ፡፡

6. ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 300(ሰለስተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ቀበሌ 16 ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ብምቕራብ ካብ ዕለት 19/06/2017 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ስዓት ምውሳድ ይካኣል፡፡

7. ተጫረቲ ሐደ ኦርጂናልን ሐደ ኮፒን ቴክንካልን ፋይናንሻልን ሲፒኦን ዶክመንት ኣብዝተፈላለየ ፖሰታ ብሽምዒብምእሻግ ኣብ ሐደ ዓብይ ፓሰታ ኣሺጎም ብምቕራብ ሙሉእ ኣደራሻ ናይ ድርጅቶም ማህተም ብንፁር ብምግላፅ እቶም ኣብ ቑፅሪ 1 ዝተዘርዘሩ ምስክር ወረቐት ኦርጂናል ዶክመንት ኣብ እዋን ጨረታ ምኽፋት ሒዞም ክመፁ ኣለዎም፡፡

8. ተጫረቲ ዝተማለእ ሰነድ ኣብ ቀበሌ 16 ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 19/06/2017ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 25/06/2017ዓ.ም ቅድሚ ሰዓት 3:30 ኣብ ሰራሕ ሰዓት _ ምእታው ይኽእሉ።

9. እቲ ጨራታ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸበሉ ዕለት 25/06/2017 ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓትይኽፈት፡፡

10. ተጫረቲ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደልዮም ብቑፅሪ ሰልኪ +251938000111,+251938000222 ምድዋል ይካኣል፡፡

11. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ጨረታ መደብ

s