ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ዝተፈላለዩ ናይ ቤት ፅሕፈት ናይ ዝተፈላለዬ ናይ ፅሬት መሐለዊ አቁሑት (Sanitation materials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 12, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 26, 2016 5:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 2%
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ: 100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 27, 2016 9:00 ቅ/ሰዓት
  • ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

 ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብሮ፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /100.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኸእሉ።

2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን፣ ቲን ቁፅረ፣ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% /ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተኣሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 12/07/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 26/07/2016 ዓ.ም እዮ፡ ዝዕፀወሉ ሰዓት ድማ ሓሙሽተ /5፡00/ ናይ ንጉሆ ይከዉን ፡፡ ስለዚ ናብ

ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይኽእሉ፡፡

5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 26/07/2016 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ።

6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡

7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም : ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።

8.ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይካኣልን ።

9. እቲ ድርጅት ዝሓሸ ኣማራፂ አንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ – መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
s