እኖታት ንእኖታት ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣብ ሓሙሽተ ጣብያታት ማለት እዉን ኣብ መቻረ: ካራ :ቤሩ: ወረ ባዩ ከምእዉን ኩኩፍቶ ዝርከብ 210 መራሕቲ ስድራ ነንሕድሕዱ ከባቢ 15 ንመፍረ ዝኮና ሃፍቲ እንስሳ ማለት እዉን ደርሆ ገዚኡ ሐገዘ ክገብር ስለዝደለየ በዚ ዘርፊ/ ዓዉድ ስራሕ ዝተመስከረሉም ነጋዶ መቅረብቲ ክትጫረቱ እትደልዩ በቶም ኣብ ታሕቲ ዘተርዚሮም ዘለዉ ረቆሒታት ብምምላእ ክትጫረቱ ብክብሪ ንዕድም
1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ መቅረባይነት ቲን ናምበር ናይ ቫት ሰርተፈኬትን ቫት ሪፖርት ከቅርብ ዝክእል
2 ብፅሬትን ብግዜን ከቅርብ ዝክእል ማለት እዉን ዉዕሊ ካብ ዝተኣሰረሉ ኣብ ዉሽጢ ሸሞንተ መዓልቲታት ከቅርብ ዝክእል
3 ተጫራታይ ናይ ሕድሕድ ዋጋ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣታዊ ክገብር አለዎ
4 ሕጋዊ ደረሰኝ ከቅርብ ዝክእል
5 ጨረታ ዝዉደአሉ ዕለት 29/5/2016 ዓም ልክዕ 10:00 ሰዓት
6 ናይ ጨረታ ሰነድ ዝወስደሉን አታዊ ዝገብርሉን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ትካል እኖታት ንእኖታት መቀለ ይከዉን
7 ኣብ ሓሙሽቲኡ ጣብያ ንምብፃሕ ናይ መጎዓዝያ ግልጋሎት ባዕሉ ይከዉን ኣብ መጎዕዓዝ እዋን ዘጋጥሙ ናይ ምጉዳል ወይም ምፍሳስ ባዕሉ ተሓታቲ ይከዉን ወይድማ ይትክእ
8 ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 50 ብምዕዳግ ስፒኦ ብር 141,000.00 / ሸደ ሚኢቲ ኣርባዕን ሐደን ሽሕ / ከትሕዝ ዝክእል
ተጫርቲ በቲ ትሕት ኢሉ ዘሎ ሰንጠረዥ ብዝኮነ ፅሑፍ መሊኦም በቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ሰነዳት ኮፒ ብምግባር መሊኦም ኣታዊ ክገብሩ አለዎም
ተቁ | ዝርዝር | መዓቀኒ | በዝሒ | ናይ ሐደ ዋጋ | ጠቅላላ ዋጋ |
1 | ደርሆ(SASO Dual purpose) ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕድመ ዝገበራ | ኩንታል | 3150 |
ናይ ጨረታ ሰነድ 29/5/2016 ዓም ክሳብ 10:30 ድሕሪ ሰዓት ይክፈት
ትካልና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ