ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣቁሑ መኪና ክገዝእ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጥሪ 3, 2016 3:30 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጥሪ 3, 2016 3:31 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ረቡዕ ጥሪ 1, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: --
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: --
ናይ ጨረታ ኩነታት: ተዓፅዩ
ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1 .ናይ 2016 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ን፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂን ዘቕርብ፡፡
2 .በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ካብ ዕለት 30/04/2016 ዓ.ም ጀሚሩ እናመፃእኹም ካብ ቢሮ ቁፅሪ 110 ምውሳድ ይካኣል፡፡
3 .ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 03/05/2016 ስዓት 03፡00 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣታዊ ኾይኑ ይዕሽግ፡፡
4 .ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 03/05/2016 ስዓት 03፡30 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን፡፡
5 .እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ግዝኢት ፈፃሚ ኣካልን መቕረባይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።
6 .ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከረክብ ዝኽእል።
7 .ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
8. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።
9 .ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡
10. ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-01-77 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡