ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ክልል ትግራይ ልቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል ኮምፒተርን ተዛማዲ ኮምፒተርን ፣ ላፕቶፕ ፣ ድጅታል ካሜራ ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ ንዕድም
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጉንበት 19, 2012 3:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጉንበት 19, 2012 3:30 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ዓርቢ ጉንበት 7, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 50.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 5,000.00
bidding: search status closed
ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ዝደለዩ ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 05/09/2012ዓ/ም ክሳብ 19/09/2012ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓታት ጨረታ ብር 50 ብምግዛእ ካብ ቢሮና ክወስዱ ትኸእሉ
1 ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ መቕረባይነት መታወቅያ ናይ ግብሪ ከፋላይ ቲን መረዳእታ ቫት ተመዝጋባይ ዝኮነ ናይ ወርሒ መጋቢት 2012ዓ/ም ዲክለር ዝገበረ
2 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርብ ዝክእል
3 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ 3ተ ማዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
4 እቲ ጨረታ 19/09/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
5 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት 10 ሚኢታዊ መኸበሪ ከትሕዙ ዝክእሉ
6 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
7 ቤት ዕዮ ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ዝመረፀሉ እዋን ዝግዛእ ኣቅሓ 20 ሚኢታዊ ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምዉሳክ መሰሉ ዝተሓለ እዩ
8 ኣብቲ ትመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኮዉን ኣለዎ