ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ንቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላዩ መሳርሒ ህንፃ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 30, 2012 4:30 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 30, 2012 4:45 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ዓርቢ ሚያዝያ 23, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 50.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 3,000.00
ናይ ጨረታ ኩነታት: ተዓፅዩ
1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ንነብሲ ወከፍ ሎት በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ፣
2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝኽእሉ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤
3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ እዋኑ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርሉ መረዳእታ እውን ከቅርብ ይግባእ፤
4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣገልግሎት ዕደጋ እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ፤
5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዝተዓሸገ ክሳብ 30/08/2012ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።
6 እቲ ጨረታ 30/08/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዘለውሉ ብኣካል ዘየለው እውን ዝተማልአ ሰነድ ብምቅራብ ይከፈተለይ እንተይሎም ይኽፈት።
7 መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል፤
8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።