ማእኸል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂን ገፀርን መቐለ ብናይ መደበኛ በጀቱ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 18, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 3, 2012 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 3, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምክፋሉ ወረቐት ምስክር ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መክብሪ ብር 3000.00 ብማእከል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ ሽም ብስፒኦ ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብን ከትሕዙ ይግባእ፤

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብትን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2011 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቅርቡ አለዎም፤

4 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ክቀርብ ዘለዎ እንትከዉን ዋንኡ ምስ ኮፒ ሰነድ ናይት ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ። ናይ ንግዲ ፍቃድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃላ መሓላ ናይ መቅረባይ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ስፒኦ ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከታሓሓዝ አለዎ፤

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ በቐፅሪ 1 ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ ብር) ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይክእሉ። ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም።

6 ተጫረቲ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዩም ቅድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዝ ገደብ ብስልኪ ቍፅሪ 0348-99 03 10 ክሓቱ ይክእሉ።

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 17/02/2012 ክሳብ 03/03/2012ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 03/03/2012ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብዚ ዕለት እዙይ ማለት እዉን ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ማእከል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጅን ገፀርን መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 4 ይክፈት ይኩን እምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝከፈተሉ ግዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን።

8 ማእከል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጅን ገፀርን መቐለ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0348-990310ምድዋል ይክኣል ፤

ድሕሪት
ጨረታ መደብ