ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ከ/ስ/ዝ/መ/ልምዓት ኣብ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ሞሞና ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝኮነ ህንፀት ተወሳኪ መምሀሪ ክፍልታት ብግራውንድ ምህዳም ስራሕቲ ንምስራሕ ብደረጃ 8 ብርኪ ፍቃድ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ኮንስትራክሽን ማሕበራት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 13, 2011 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 21, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጉንበት 21, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • ገዛውቲን ሕንፃ ስራሕቲን/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ናይ 2011ዓ/ም በቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሽትይን ትካላት ንግዲ ዝተውሃበ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ምዝገባ ንግዲ ፣ ስራሕ ፍቃድ ንግዲ፣ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ኮንስትራክሽን ተኮናታረይነት ምዝገባ ካርዲን ወረቀት ምስክር ከፋይነት ግብሪ፣ ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዲክለሬሽን ዘቅርብ፤

2 መከበሪ ጨረታ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብቤሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵየ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ ፋይናንሳዊ ትካላት ዘረጋገፅኦ ቼክ ሌተር ኦፍ ክሬዲት ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

3 ተጫረቲ ናይ ዘጫረትሉ ሒሳብ ፕሮጀክት ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 120 ተከታታሊ መዓልታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም፡፡

4 ተጫረቲ ብቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ከ/ስ/ዝ/መ/ልምዓት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ 01/09/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 20/09/2011ዓ/ም ካብ ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ከ/ስ/ዝ/መ/ልምዓት 200.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቁፅሪ ክፍሊ 07 ምውሳድ ይክእሉ፤

5 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ መከበሪን በቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሽትይን ትካላት ንግዲ ዝተውሃበ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ምዝገባ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ንግዲ፣ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ኮንስትራክሽን ተኮናታራይነት ምዝገባ ካርዲን ወረቀት ምስክር ከፋይነት ግብሪ፣ ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዲክለሬሽን ዘቅርብ፤

6 ሰነዳት ኣብ ዝ/ዩ ፖስታታት ምስዓሽግኩም ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ብዝርኣ ቀለም ናብ ቁፅሪ ክፍሊ 07 21/09/2011ዓ/ም ክሳብ 04፡00 ሰዓት ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃአ ከእትው ኣለዎም፤

7 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 21/09/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ከ/ስ/ዝ/መ/ልምዓት ቁፅሪ 7 ይክፈት፡፡

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-403107 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ