ቤት ህንፀት መቐለ ኣብ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ዝኽፈል ናይ መካይን መለዋወጢ ጎማን ካልኦት ንወንበር መኪና መሸፈኒ ዝውዕል ጨርቅን ናይ ህንፃ መሳርሒ ንብረት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይድሊ።

1 በቢ ስራሕ ዘርፎም ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቃድን ናይ 2011 ዓ/ም መቅረባይነትን ናይ ወርሒ መጋቢት 2011ዓ/ም ዲክሌር ዝገበርሉ መረዳእታ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል።

2 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ንጎማ መኪናን ንህንፃ መሳርሕን 3000.00 ብር ፣ ንወንበር መሸፈኒ ጨርቂ 1000.00 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋዊ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም።

2 ቲን መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ከምኡድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ድክሌር ዝገበረ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ቫት ተመዝገብቲ ኮይኖም ዝመልእዎ  ዋጋ ድማ ምስ ቫቱ ተመሊኡ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈትና ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ተመሊኡ ብ2ተ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ደ/ከ/ሰ/ዕፋ/ን/ምን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይክእሉ።

4 ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃው ዝመፅአ ፖስታ ይኩን ሓሳብ ተቀባልነት የብሉን ብተወሳኪ ንዝወፀ እስፔስፊኬሽን ኣማሊኡ ዘይተረከበ ተወዳዳሪ ካብ ውድድር ውድቂ ከምዝግበር ክፈልጥ ኣለዎ፤

5 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 24/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 12/09/2011 ዓ/ም 30.00 ብር እናኸፈሉ ካብ ደ/ ከ/ ስ/ ዕ/ ፋይ /ምም/ር/ን ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይክእሉ። እቲ ጨረታ 12/09/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት።

6 ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳሪ ካብ ጠቅላ ዋጋ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ መከበሪ ውዕሊ ዘትሕዘ ኮይኑ ዝሰዓሮ ንብረት ልዕሊ 10000.00 ብር እንተኮይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝከፍል ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። ኣብ ጨርቂ መሸፈኒ ወንበር ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ቫት ዘይተመዝገቡ እውን ክወዳደሩ ይክእሉ እዮም፡፡

7 መ/ቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ዝርዝር ንብረት ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-411454 ምሕታት ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ