ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሹም ንኣብየተ ፅሕፈት እቲ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለየ መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 4, 2011 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 29, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ: ጋንታ አፈሹም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሚያዝያ 29, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመገብን ናይ ወርሒ ለካቲት ናይ 2011 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2011 ዓም ከቅርብ ዝክእል፤

3 ዝተሐደሰ ወረቀት ምክስር ከምእዉን መለለይ ቍፅሪ ከፍልቲ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ብነፃ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሺም ደጋፋ ከይዲ ስራሕን ንብረት ምምሕዳርን ምዉሳድ ይከኣል፡፡

5 መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ እዉን ብሰፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተዉሃበ ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዝ ዝእክል፤

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

7 ሳንዱቅ ጨረታ 29/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

8 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝን ወፃኢን ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ጋንታ አፈሹም ከቅርቡ ይግብእ፡፡

9 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ከምእዉን ንዝወሰድዎ መወዳደሪ ሰነድ ዋላ ሓንቲ ከይ ኣጉደሉ ንነብሰ ወከፍ ማህተም ክታምን ክዕርፍሉ ይግባእ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-451137 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡


ድሕሪት
ጨረታ መደብ