ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝርዝር ንዝቀረቡ ረቋሕታት አተማልኡ ክትወዳደሩ እትደልዩ ከባቢ ሕ/ሰብ (ግለ ሰባት) ፣(ውልቀ ነጋዶ) ኣብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን መፂእኩም ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም።
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግበኦም ረቋሕታት
1 ናይ 2011ዓ/ም ፈቃድ ንግዲን ዘሐደሱን ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉን ክኮኑ ኣለዎም፣
2 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነትን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ
3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ጥሪ/ለካቲት ሒሳብ ዘወራድክምሉ መረዳእታ ክተቅረቡ እትክሉ
4 ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 19/07/2011 ም ክሳብ 04/08/2011 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ሰነደ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስት ዋናን ቅዳሕን ምእታዉ ይከኣል፡፡
5 መከበሪ ጨረታ ፣ ኣቅሑት ቤተ ፈተነ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤
6 ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ ንክኣስር ምስተነገሮ አብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ዝኣስር፤
7 መከበሪ ዉዕሊ ጨረታ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል፤
8 እቲ ጨረታ 04/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዶሃን ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረከብሉ ይክፈት፡፡
9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ፡፡
ንተወሳኪ ሓበሬታ 0343-450110 / 0343-450112 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡
ድሕሪት