ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቐ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ቀፂሎም ዘለው ንብረታት My Cloud PR4100 /External disk…..በዝሒ 1፣ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ካብቲ 1 ክሳብ ቁ 29 ዘሎ ዝርዝር ብምርኣይ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ብመሰረት እቲ ቐፂሉ ዘሎ ስፔስፊኬሽን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም፤

2 ናይ 2011 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ተመዝገብቲ ዝኮኑ፤

3 ናይ ወርሒ ጥሪ 2011 ቫት ዲክለር ዝተገበረሉ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ውሕስና ጨረታ ብር 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብመልክዕ ሲፒኦ ወይ ኣብ ባንኪ ዝተውሃበ /ዝተረጋገፀ/ ቼክ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ዶክመንት ጨረታ ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 26/06/2011ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቁፅሪ ቢሮ 308 ዶክመንት ክትወስዱ ትክእሉ፤

6 ዶክመንት ጨረታ ፋይናሻል ቴክኒካልንመሊእኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ 409 ክተቅርቡ ትክእሉ ምዃንኩም ንሕብር፤

7 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 26/06/2011ዓ/ም ጀሚሩ /10/ ዓሰርተ ናይ ስራሕ መዓልታት ብምፅናሕ ዕለት 06/07/201 ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ 4ይ ፎቅ ኣብ ዝርከብ 404 ኣዳራሽ ይክፈት፤

8 ሰዓራይ ትካል ምስተፈለጠ እቲ ንብረትኣብ ውሽጢ 5 /ሓሙሽተ/ መዓልታተ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ፤

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-410544/46 ብፖስታ 450 ምድዋል ይከኣል፤

ድሕሪት
ጨረታ መደብ