1 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፋቃድ ንግዲ ዘለዎ
2 ወረቅት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎም
3 መረዳእታ መለለይ ከፋለይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእል
4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ ናይ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤
5 ሰነድ ጨረታ አብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ቀደማይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 12 እንትከዉን ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል።
6 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 15/05/2011 ዓ/ም ክሳብ 30/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ኩሉ ሻብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል
7 መከበሪ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ንነብሲ ወከፍ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ይግባእ።
8 ሰነድ ጨረታ ክሳብ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 30/05/2011 ዓም ሰዓት 8:45 ይዕሸግ። እዚ ጨረታ 30/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ይክፈት።
9 ጨረታ ሰዓራይ ጨረታ ምዃኑ ብደብደቤ ካብ ዝተገለፁሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤
10 ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ጨረታ ካልእን መብረሂ ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል።
10 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ኣብ ዉሽጢ 30 ተከታታልቲ መዓልቲ ፤ንኣቅሑ ሕትመት ኣብ ዉሽጢ 30 ተከታታልቲ መዓልቲ ፣ንመሳርሒ ፅሕፈት ኣብ ዉሽጢ 20 ተከታታልቲ መዓልቲ ፣ንኣቅሑ ቢሮ /ፈርኒቸር/ኣብ ዉሽጢ 30 ተከታታልቲ መዓልቲ ብመሰረት እቲ ዝወፀ ዝርዝር ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ብበዓል ሞያ ተረጋጊፁ ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፤
11 ዝኾነ ተጫረታይ ቤት ዕዮና ኣብ ዘቀመጦ ዝርዝር ምውሳኽ ወይ ምንካይ ካብ ውድድር ወፃኢ ዝገብር ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።
12 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ ዝተሐለወ እዩ
13 ኣቀራርባ ሰነድ ጨረታ ዝምልከት ንኤሌክትሮኒክስ /ናውቲ ኣይቲ/ እትጫረቱ ተወዳደርቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ነንበይኑ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ይግባእ::
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-403477 / 0344-408299 ምሕታት ይከኣል።
ድሕሪት