ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ዓዲግራት ን 2011 ዓም በጀት ዓመት ንምምሃር ምስትምሃር ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ህንፃ መሳርሒ : ኤሌክትሪክ ሲቲ (ኤሌክትሮኒክስ)፣ ጋርመንትን : ፅሕፈት መሳርሒ : ኮምፒዩተርን ኮምፒተር ኣክሰሰሪን ፣ ኣውቶሞቲቭን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ነዞም ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጥቅምቲ 15, 2011 9:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጥቅምቲ 15, 2011 9:30 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ቀዳም መስከረም 26, 2011 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 100.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 0.00
ናይ ጨረታ ኩነታት: ተዓፅዩ
1 ተወዳደርቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ክኮኑ አለዎም
2 ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ዲክለር ዝገበሩ::
3 ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱን / ታክሲ መኽፈሊ ቑፅሪ /TIN NO :ቫት ተመዝገብቲ መቕረባይነት ከቕርብ ዝኽእል::
4 ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋዉሐሉ ካብ ዕለት 28/01/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 15/02/2011 ዓ/ም ዘይምለስ 100 ብር/ ሓደ ሚእቲ ብር/ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ዓድግራት ፖ/ቴ/ኮሌጅ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 12ተ ብምዉሳድ ንክትወዳደሩ እናዓደምና ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድ/ስ ኮይኑ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 15/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:30 ድ.ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።
ንተወሳኪ ዝርዝር ሐበሬታ ስቁ 0344-452174 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።