ቀ/ፅ፡ -Nic/846/003/18
ዕለት፡- 27/06/2018 ዓ/ም
ን2ይ ደረጃ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ቤት ትም/ቲ ኒኮላስ ሮቢንሰን ንዘበነ ትም/ቲ 2018 ዓ/ም ንቤት ትምህርትና ግልጋሎት ዝውዕሉ ላፕቶፕ (laptop) ካብ መቕረብቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ እዚ ንብረት ረቓሒታት እተማልኡ ነጋዶ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም።
○ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ እዚ ዘመን (2018 ዓ/ም) ዘለዎም
○ ምስክር ወረቀት መቅረባይነት ዘቕርቡን ቲን ቁፅሪ ዘለዎ
○ ቫት (VAT) ምዝጉባት ኮይኖም ሕጋዊ ደረሰኝ ዘቕርቡ
○ ሰነድ ጨረታ ብር 300.00 ብምኽፋል ካብ ቤት ት/ትና ተሓዚት ገንዘብ ምዕዳግ ይከኣል።
○ ንመክበሪ ጨረታ ካብ ዘቕርብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% ብ CPO (ሲፒኦ) ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል ኮይኑ እቲ CPO (ሲፒኦ) ኣብ ውሽጢ እቲ ፖስታ ተዓሺጉ ይቐርብ
○ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ካብ 27/06/2018 ዓ/ም ክሳብ 05/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡00
○ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 05/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት 3፡45 ይኽፈት፡፡
○ ሰዓራይ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ንብረት
ክፍሊ የእትዉ።
መብርሂ:-እቲ ትካል እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
እዚ ከም ውዐሊ ኮይኑ ከገልግል ይክእል እዩ።
ኣድራሻና፡- ዓዲ ሽምዱሑን ካብ ህንፃ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንታሕታይ እትው ኢልካ ጎኒ ዩኒቨርስቲ ኮለጅ
ኣድማስ
* ቑፅሪ ስልኪ 03 42 40 01 38 /0914002380/
ድሕሪት