ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፍሳስን ከተማ አዕቢ ን2018 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝውዕሉ ንብረት ዓማዊል፣ንመስመር ፅገናን ሕድሳት መስመርን ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ፍቲንግታትን HDPE ትቦን መገጣጠምን ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒታት
1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ናይ 2018 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን
2. Tin Number ዘለዎን ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገበን
3. ቫት ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረን
4. ተረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክከውን አለዎ።
5. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ንፅገና መስመር፣ሕድሳት መስመርን ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ፍቲንግታትን HDP ትቦንመገጣጠምን 30,000 ብር /ሰላሳ ሽሕ/ ብርብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝክእል።
6. ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ኣፅቢ ኣብ ጥቃ ኢ/ያ ንግዲ ባንኪ ኮይኑ ቢሮ ቁፅሪ 02 ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ንዘይምለስ 200.00/ክልተ ሚኢቲ ብር/ከፊልኩም ትወስዱ።
7. ተጫረቲ ነጋዶ እቲ ዓይነት ንብረት ብንፁር በቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ዝተኣሸገ ፖስታ መሊኡ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ ዓሺጎም ኦርጂናልን ፎቶ ኮፒን ተባሂሉ ኣብ ፖስታ ይፀሓፍ።
8. እቲ ጭረታ ብዝተፋላለየ ምክንያት ከዛብፁ ዝፈተኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጭረታ ወፃኢ ገይሩ ዘትሓዝዎ ትሕጃ ናብ ቤት ፅሕፈት ካዝና ኢታዊ ብምግባር ንቀፃላይ ከይሳተፉ ይገብር ።
9. ተጫራቲ ድሕሪ እቲ ናይ ጨረታ ሳፁን ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ናብ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ይከውን።
10. ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ኦርጅናልን ኮፒን ዶኩመንት ኣብ ዝባን ዝተዓሸገ ፖስታ ሽም፣ፊርማ፣ማህተምን ስ/ቁፅርን ከስፍሩ ኣለዎም።
11. ናይ ባዕልኻ እስፔስፊኬሽን ምፅሓፍን ምምላእን ኣይፍቀድን።
12. ቤት ፅሕፈትና 25% ናይቲ ዝተስዓረ ንብረት መጠን ናይ ምውሳከን ምቅናስን መሰል ኣለዎ።
13. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን30ማዓልቲ ይከውን ።
14. እቲቤትፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂእንተረኺቡ እቲጨረታ ብኽፋልይኹንብምሉእ ናይምስራዝ መሰለዝተሓለወእዩ።
15. ጨረታኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት20/05/2018 ዓ/ምክሳብ 11/06/2018 ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት
16. እቲ ጨረታ ዕለት 11/06/2018 ዓ/ምልክዕ ሰዓት 08፡30 ተዓፅዩ ዕለት11/06/2018 ዓ/ምሰዓት 09፡00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት።
17. ኣብቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቀሰ ሰዓት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተዘይ ተረኪቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ምክፋት መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
18. ተጫራቲ ምስዓሮም ምስ ተረጋገፀ ድሕሪ ናይ ቅሬታ3' ማዓልቲኣብ ውሽጢ3 ናይ ስራሕመዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል
19. ሰዓራይበቲ ጭረታ መምርሒመሰረት ውዕሊ እንተዘይኣሲሩ ቤት ፅሕፈትናን2” ሰዓራይውዕሊ ዘእስር ምኳኑ።
20. ዘሸነፈ ተጫራታይ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሩ : አብ ውሽጢ 7' ማዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብናይ ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን ኣታዊ ይገብር፡፡
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914401313 /0914411872 ምሕታት ይካኣል እዩ።
ድሕሪት