ምልክታ ጨረታ
ዕለት (Date) 13 /05 / 2018 ዓ/ም
ቑፅሪ (RefNo) 26 / ዕ/ንብ/ምም-ርን- 48
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንኣብያተ ፅሕፈታት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ቢሮ ኣቑሑት ን ኮምፒተራትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም ።
ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርትፊኬት፣ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቀረባ ወርሒ ቫት ሪፖርት ከቅርቡ ዝኽእሉን ።
2. መኸበሪ ጨረታ ንፈርኒቸር ብር 100,000.00 ( ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ብር) ንኮምፒተራር ብር 15,000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ (cpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ሽም ከትሕዙ ዝኽእሉ ።
3. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ ብር 300 (ሰለስተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይኸእሉ ።
4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።
5. ጨረታ ካብ ዕለት 13/05/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 28/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ ሰዓት 4:00 ይኸፈት።
6. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 033 ይኽፈት ።
7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ናይ ድርጅት ማህተምን ፌርማን ከዕርፍሉ ይግባእ ።
8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።
9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።
10. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
11. ኣድራሻና ኣብ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።
12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።
0344-406747/0344-408501/0344-406839
ድሕሪት