ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ኣብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ግንባር ደቡብ ኣርሚ 26 ዘፈር ፋይናንሰ ናይ ምምራትን ምፍራይን ባኒ ብማሽን ሰንኪቱ ዘቕርብ ብግልፂ ጨረታ ከወዳድር ይደሊ፡፡ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝቐርቡ ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
1. ናይ`ዚ ዘመን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ቲን ናምበርን መቅረባይነትን ፎቶ ኮፒ ክተቕርቡ እትኸእሉ፡
2. ንባኒ መሳርሒ ዝጥቀመሉ መብራህቲ ተጠፊኡ ጀነሬተር ብናይ ባዕሉ ነዳዲ ከቕርብ ዝኸእል፣ ወይ ናይ ዕንፀይቲ ማሽን ከቅርብ ኣለዎ፣
3. ናብ ማእኸል ናይ ኣርሚ ቦታን ኮራትን ኣብ ዘለውዎ ማሽን ዝተክል ወይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ/ትራንስፖርት/ ዘብፅሕ፣
4. ኣብቲ ዝምላእ ፕሮፎርማ /ናይ ሓደ ዋጋ ወይ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ዘሎዎ እንተኾይኑ ካብ ውድድር ወፃኢ ይኸውን፡
5. ስዓራይ ዝኾነ ተጫረታይ ካብ ዝሰዓሮ ጠቕላላ 10% መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል፡
6. ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ከተማ ሳምረ ኣብ ምምሕዳር ወረዳ ሳምረ ቐፅሪ ግቢ፣
7. ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 04/13/2017 ዓ/ም ክሳብ 11/01/2018ዓ/ም ስዓት 2፡30 - 3፡30 ናብ ምምሕዳር ወረዳ ሳምረ ኣታዊ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም፣
8. እቲ ጨረታ ዕለት 12/01/2018 ዓ/ም ስዓት 3፡30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 4፡00 ንጉሆ ይኸፈት፡፡
9. ስዓራይ እቲ ጨረታ ዝኾነ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 01/02/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ባኒ ኣምሪቱ ከቅርብ ኣለዎ፣
10. ካብ ዕለት 4/13/2017ዓ/ም ጀሚሩ ጨረታ ሰነድ ካብ ኣርሚ 26 ዘፈር ፋይናንስ ቢሮ/ ማይዳ ሳምረ/ ወይ ካብ ግንባር ደቡብ ቢሮ ዘፈር ፋይናንስ መቐለ ከባቢ ድያስፖራ ከባቢ ዕደጋ ፈሓም ካብ ኣዋሽ መንበሪ ካምፕ ንምብራቕ ፊት ንፊት 100 ሜትሮ እትው ኢልካ ኣብ ዝርከብ ግንባር ደቡብ ቢሮ ብነፃ ክወስዱ ይኸእሉ እዮም፣
11. ኣርምና ዝሐሸ መማረፂ ተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡
ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኹም ብሞባይል ቑፅሪ 09-19-43-54-71 ወይ 09-14-76-54-31 ምድዋል ይካኣል እዩ፡፡
ምስ ሰላምታ
ኣርሚ 26 ዘፈር ፋይናንስ
ድሕሪት