1 ዝተሐደሰ 2017/2018 ዓም ፍቃድ ንግዲ
2 ዝተሐደሰ 2017/2018 ዓም ወረቀተ ምስክር መቅረባይነት
3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ተወሳኪ አሴት ታክስ ናይ ሰነ 2017 ዓም ናይ ተወሳኪ አሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ሰነድ ጨረታ ካብ 23/12/2017 ዓም ጀሚሩ ምዉሳድ ይከኣል
5 ሰነድ ጨረታ ብስምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ብንፁር ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋ መሊኡ ክሳብ 5/1/2018 ዓም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ይግባእ
6 እቲ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ 5/1/2018 ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
7 መከበሪ ዉሕስና ዝምለስ 10000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም
8 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘብሉን ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ድማ ማህተም ፊርማ ክዓርፎ ይግባእ
9 ተጫረቲ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብምትሓዝ ድሕሪ ናይ ጥርዓን መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ብዝተኣዘዞ በዝሒን ፅሬትን ከረከቡ ምካኖም ክፈልጡ አለዎም
10 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ዝቀረቡ ዝርዝር ንብረት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምንካይን መሰል ከም ዘለዎ/ዉን ተጫረቲ ክፈልጡ አለዎም
11 ንዝሰዓርዎ ንብረት ብእዋኑ ንዘይኣቅረቡ ነጋዶ በቢ መዓልቱ 1/1000 ካብ ዝሰዓርዎ ክሳብ 10 ሚእታዊ ይቅዕፁ ከም ክብደቱ እቲ ስራሕ ተራይ ድማ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ቅፅዓት ይዉሰደሎም
12 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 መዓልቲታት ይከዉን
13 ናይ መፅዓይንን መራገፍን ባዕሉ ሸፊኑ ናብቲ ብቲ ቤት ፅሕፈት ከጎዓዓዝ ዝክእል
14 ናይ መፅዓንን መራገፍን ዝሽፍን ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ አጎዓዒዙ ዘቅርብ
15 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ድሕሪት