ምልክታ ፕሮፎርማ
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ሎሚዘበን "ኣሸንዳ ሰረት ሰላም ሓድነትን ተስፋን ትግራይ” ብዝብል ቴማ ንዝበዓል በዓል ኣሸንዳ ነቲ በዓል ንምፅብፃብ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንዝመፁ ጋዜጠኛታት መንቀሳቀሲ ዝኸውን 2 ሃይሩፍ መኪና ክካረይ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ነዚ ዝስዕብ ሮቋሓታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም
1. ናይ 2017ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ን፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂን ዘቕርብ፡፡
2. ካላውዶ ዝገበራ
3. ሳልሳይ ወገን ኢንሹራንስ ዘለወን
4. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 09/12/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ምውሳድ ይካኣል፡
5. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 14/12/2017 ስዓት 03፡30 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣታዊ ኾይኑ ይዕሽግ፡፡
6. ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 14/12/2017 ስዓት 4፡00 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን፡፡
7. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ግዝኢት ፈፃሚ ኣካልን መቕረባይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።
8. ኣብ ውሽጢ 1 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል።
9. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
10. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።
11. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ
ቀደማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 110 እዩ፡፡
12. ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡