ጨረታ ምልክታ
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ፅህፈት መሳርሒ ኣቁሑ (Stationery Matreials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡ ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።
1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ፡፡
2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን፤ ቲን ቁፅሪ፣ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም።
3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡
4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 08/12/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 22/12/2017 ዓ.ም አዮ ። እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 22/12/2017 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት / 5፡00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን ፡ ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ክገዝኡ ይኽእሉ፡፡
5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 22 /12/2017 ዓ.ም ሰዓት 9:00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ።
6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡
7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።
8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይካኣልን ።
9. እቲ መእዚዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል::
10. እቲ ድርጅት ዝሓሸ አማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨሪታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ – መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ድሕሪት